ኢትዮጵያን የመንን ክልቲኣዊ ምትሕብባር ንምብራኽ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን የመንን ታሪካዊ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ንምብራኽ ተስማዕሚዐን።

ፍሉይ ልኡኽን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር፣ ኢራንን የመንን ፈይሰል ኣልይ ምስ ኣቦ መንበር ፕሬዚደንታዊ ቤት ምኽሪ ራሽድ ሙሐመድ አል-አሊሚ (ዶ/ር) ዘቲዮም።

ራሽድ ሙሃመድ (ዶ/ር)፥ የመናውያን ፀገም እንተጋጥሞም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝስደቱ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኢትዮፓዊያን ንዝገብርዎ ኣቀባብላ አመስጊኖም።

ንሰላምን ምርግጋዕን የመን ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣምባሳደር ፈይሰል ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንዝሓዘቶ ምዕባለ ንምርግጋዕ የመን ይኹን እቲ ዞባ ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment