ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሚኒስትር ገንዘብን ልምዓት ኢኮኖሚን ዙምባብዌ ምቱሊ ኢንኩቢ ተዛትዮም፡፡
ኣብ ዘትኦም ድማ ክልቲኦም ወገናት ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእሉዎም ቀንዲ ስራሕቲ ሪፎርም ፖሊሲ ኢኮኖሚ ትኹረት ገይሮም፡፡
ምቱሊ ኢንኩቢ ኣብቲ እዋን÷ ዙምባብዌ ካብ ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ልምዲ ክትወስድ ከምትደሊ ገሊፆም፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ብወገኖም÷ ኢትዮጵያ ምስ ዚምባብዌ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ድልየት ከምዘለዋ ብምሕባር÷ ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ትግበራ ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ልምዳ ንምሃብ ድልውቲ ምዃና ተዛሪቦም፡፡
እቶም ሚኒስትራት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ልውውጥ ልምዲ ንምግባርን ቆራፃት ምዃኖም ኣረጋጊፆም፡፡
ኣብ ቐፃሊ ልውውጥ ልምዲን ምትሕብባረንን ንምምችቻው ዘኽእል ጉጅለ ቴክኒክ ስራሕ ንምጥያሽ ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም ኣብቲ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡