ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ሕርሻን ስምምዕነት ደገፍ ፋይናንስ 106 ሚሊየን ዶላር ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ፈንድ ልምዓት ሕርሻ(IFAD)ን ስምምዕነት ደገፍ ፋይናንስ 106 ሚሊየን ዶላር ከቲሞም።

ኣብ ሆቴል ሂልተን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ ምንባር ክታም፥ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሳለት ትግበራ መርሃ ግብሪ ኣሳታፋይነት ሕርሻን ለውጢ ክሌማን ክውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ዕላማ እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣብ ዝተመረፃ ከባቢታት ገፀር ኢትዮጵያ ኣታዊ፣ ምግብን ኣመጋግብና 150 ሺሕ መራሕቲ ስድራ ብዘላቕነት ንምምሕያሽን ለውጢ ክሌማ ንምፅዋርን ዘኽእል ዓቕሚ ንምህናፅ ከምዝኾነ ምግላፁ ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ደቂ ኣኒስቲዮ፣ መናእሰይን ጉድኣት ኣካልን ዝጠመተ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስቴር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ዳይሬክተር ፋንድ ልምዓት ሕርሻ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ሣራ ምባንጎ-ቡን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

#Ethiopia

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment