ኢትዮጵያን ካዛኪስታንን ኣብ ዘፈር ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእላሉ ዛዕባ ዘድሃበ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ካዛኪስታንን ኣብ ዘፈር ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእላሉ ዛዕባ ዘድሃበ ዘተ ከምዝተሳለጠ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣፍሊጡ።

ዋና መፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሳዶካን ደበበ ምስ ኣምባሳደር ካዛኪስታን ኣብ ኢትጵያ ባርሊባይ ሳንዲኮቭ ተራኂቢም ተዛቲዮም።

ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ምስሓብን ኢንቨስትመንት መፍረዪን ዝምልከቱ ዛዕባታት ዘተኮረ ዘተ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣይተ ሳዶካን ኣብ ዓውዲ ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራት፣ ኣማራፅቲ ኢንቨስትመንትን መበረታትዒታትን ኣመልኪቶም መብርሂ ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ሓቢርካ ንምስራሕ ዘኽእሉ ጉዳያትን ልውዋጥ ልምዲ ንምግባር ዘለዎም ምሕዝነት ገሊጾም።

ኣምባሳደር ባርሊባይ ሳንዲኮቭ ብግደኦም፥ ሃገሮም ወደብ ባሕሪ ዘይብላ ምዃና ምስ ኢትዮጵያ ከምዘመሳስላ ገሊፆም።

ፓርክታት ኢንዱስትሪ ብኸመይ ናብ ወፃኢ ከምዝልእኹ፣ ህንፀት መገዲ ባቡር ዝምልከት ከምኡ እውን ምስ ዘብ ሃፍቲ ካዛኪስታን ብኸመይ ምትእስሳር ንግዲ ምፍጣር ከምዝከኣል ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ተዛቲዮም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚን ኣዳማን ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ምስ መካየድቲ ስራሕ ፓርክታት ኢንዱስትሪን ሰብ ሃፍቲን ተራኺቦም ምዝታዮም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment