ኢትዮጵያን ኩባን ብዓውዲ ሽኮር ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኩባን ብዓውዲ ሽኮር ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን።

እቲ ስምምዕነት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ምክትል ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ኩባ ሳልቫዶር ቫልዴዝ ሜሳን ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ዘተ ስዒቡ ዝተፈረመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ሰነድ፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ስኳር ኢንዱስትሪ ግሩፕ ኢትዮጵያ ኣይተ ወዮ ሮባን ዋና ዳይሬክተር ኣዙካሬሮ ኣዝኩባ ግሩፖ ኩባ ፍራንሲስኮ ሬኔ ማርቲንን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት፥ ከልቲአን ሃገራት ብዓውዲ ልምዓት ምርምር፣ ዝተፈላለዩ ምህርቲታት ምፍራይ ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ፣ ህንፀት ዓቕሚ ሰብ ሙያ ሕርሻን ፋብሪካን ብምትሕበባር ከምዝሳርሓ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ልምዓት ቃንጫ ሽኮር፣ ደገፍ ቴክኒክ፣ ባይሎጂን ሽግግር ቴክኒሎጂን ከምኡውን ዓውዲ ንግዲ ብሓባር ከምዝሰርሓ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment