ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ኢነርጂን መሰረተ ልምዓትን እስራኤል ኤሊ ኮኸን ኣብ ክልቲኣዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዘትዮም፡፡
ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ዓዉዲታት ሓይሊ፣ መሰረተ ልምዓት፣ መዓድንን ኢንቨስትመንትን ክልቲኤን ሃገራት ብምትሕብባር ምዕባይ ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ተላዚቦም፡፡
ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ብምግባር ጥንኩር ምሕዝነት ኢኮኖሚ ንምፍጣር ኢትዮጵያ ቆራፅ ምዃና ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣረጋጊፆም፡፡
ነዙይ እዉን ዝትግበር ዘሎ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ኢንተርፕራይዛት እስራኤል ሓዊሱ ንወፃኢ ሰብ ሃፍቲ ምችዉ ኩነታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ምፍጣሩ ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵያ ዘለዋ ሰፊሕ ዓቕሚ ተሓዳሲ ሓይሊን ኣብ ኣፍሪካ እናዓበየ ዝመፅአ ሓይሊ ዕዳጋን ክልቲኦም ወገናት ተረባሕቲ ንክኾኑ÷ ኩባንያ እስራኤል ኣብ ፕሮጀክታት መፈልፈሊ፣ መመሓላለፊን ዝርግሐን ሓይሊ ንክሳተፉ ፃዉዒት ኣቕሪቦም፡፡
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዘሎ ጥንኩር ርክብ ዘረጋገፁ ሚኒስትር ኮኾን ብግዲኦም÷ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ብኣፅንኦት ገሊፆም፡፡
ኩባንያታት እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓዉዲ ኢንቨስት ክገብሩ ተዛሪቦም፡፡
ምስ እዙይ ተተሓሒዙ÷ ልኡኽ ቢዝነስ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅእ ሓቢሮም፡፡