ኢትዮጵያን ኣንጎላን ነባር ስምምዕነት ግልጋሎት ኣየር ብሓዱሽ ብምምሕያሽ ተራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኣንጎላን ነባር ስምምዕነት ግልጋሎት ኣየር ብሓዱሽ መልክዕ ብምምሕያሽ ተራሪመን።

እቲ ስምምዕነት÷ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣይተ ጌታቸው መንግስቴን ኣካቢ ቦርድ በዓል መዚ ብሄራዊ ሲቪል ኣቪዬሽን ኣንጎላ ኣሜሊያ ዶሚኒጌስ ኩቪንጉዋን ተፈራሪሞምዎ፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ 47 ዓመታት ተፈሪሙ ዝነበረ ስምምዕነት ግልጋሎት ኣየር ኣብ ክልል ኣየር ኣፍሪካ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ገደብ ግልጋሎት በረራ ንመሃብ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ብዝውከሉ መገዲ ኣየራት ቁፅሪ፣ ምልልስ በረራ፣ ዓይነት ኣውሮፕላንን ገደብ ዘይብሉ ነጥቢታት መብፅሒን፣ ኣብ ሞንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣንጐላን ኣብ 3ይን 4ይን ኣብ ኣፍሪካ ድማ ብሙሉእ 5ይ መሰል ትራፊክ ምብራር ከምዝከኣል ተገሊፁ፡፡

ተወከልቲ መገዲ ኣየራት ሕድሕዶም ብባዕሎምን ሳልሳይ ወገንን ብሽርክና ከስርሕ ዝኽእልን ካብ ተደራራቢ ቀረፅ ናፃ ዝገብር ስምምዕነት ግልጋሎት ኣየር ከምዝተፈረመ እውን ሓበሬታ ሲቪል ኣቪዬሽን የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment