ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)3ይ ጉባኤን ዓውደ ምርኢትን ስታርት ኣፕ ኣፍሪካ ኣብ ኣልጄሪያ ኣልጀርስ ይካየድ ኣሎ።
ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ፍልጠት፣ ኢኮኖሚ፣ ስታርት ኣፕን ማይክሮ ኢንተርፕራይዝን ኣልጄሪያ ኑረዲን ኡዳህ ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲኦም ትካላት ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽን፣ ቴክኖሎጂ፣ ምርምርን ህንፀት ዓቕሚ ሓይሊ ሰብን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም፡፡
ባይሳ በዳዳ(ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ኣብ ሰስነ ምህዳር ስታርት ኣፕ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብምስራሕ ዜጋታት በቲ ዓውዲ ተጠቀምቲ ዝኾኑሉ ብምስራሕ ዜጋታት ካብቲ ዓውዲ ተረባሕቲ ዝኾኑሉ ስርዓት እናሃነፀት ከምትርከብ ተዛሪቦም።
ምስ ዝተፈላለዩ መሓዙት ትካላት፣ ሰብ ሃፍቲን ዓለም ለኸ መሓዙትን ብምትሕብባርን ብትኹረትን እናተሰርሐ ከምዝርከብ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።