ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ስራሕቲ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ዘኽእል ክልቲኣዊ ዘተ ኣሳሊጠን።
እቲ ዘተ፥ ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ብምክትል ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ ምስፋሕ ንግዲ ቻይና ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢዩ ተሳሊጡ።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምስቶም ኣባላት ልኡኽ ኣብ ርክብ ንግዲ እተን ሃገራትን ፕሮሞሽንን ዝጠመተ ሰፊሕ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ንንግዲን ኢንቨስትመንትን ምቹእ ዝኾነ ፖሊሲ ተግባራዊ ትገብር ከምዘላን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ጠንካራ ርክብ ንክህሉ ዘኽእል መብርሂ ከምዝገበሩን ገሊፆም።
ቻይና ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ሓምለ ኣብ እተሰናድኦ መበል ሳልሳይ ዓለም ለኸ ኤክስፖ፥ ኢትዮጵያ ንክትሳተፍ እንግዶት ምቕራባ ሓቢሮም።
ብመሰረት እቲ እንግዶት ማሕበረሰብ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኤክስፖ ከምዝሳተፍ ድማ ተዛሪቦም።