ኢትዮጵያን ቻይናን ወታደራዊ ምትሕብባረን ንምዕባይ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ቻይናን ወታደራዊ ምትሕብባረን ንምዕባይ ተስማዕሚዐን።

ብላዕለዋይ ኤታማጆር ሹም ሓይሊታጥ ጦር፣ ተሸላሚ ሜዳይ ቀዳማይ ደረጃ ጥቁር ኣንበሳ ዝለዓለ ተግባር ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወታደራዊ ልኡኽ ኣብ መበል 11 ፎረም ሻንሻን ቤጂንግ ይሳተፍ ኣሎ።

‘ንሓበራዊ መፃኢ ሰላም ምፍላጥ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብቻይና ኣብ ዝተሰናደአ መበል 11 ፎረም ሻንሻን ቤጂንግ እናተኻየደ ይርከብ።

ብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ÷ ጎድና ጎድኒ እቲ ፎረም ምስ ኣዛዚ ጥሙር ወታደራዊ ሓይሊ ቻይና ጀነራል ሉኤ ዠን ሊ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓምሻይ ትውልድ ዋር ፌር፣ ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ኣብ ወታደራዊ ናውቲን ወታደራዊ ህንፀት ዓቕሚን ብሓባር ንምስራሕን ምትሕብባሮም ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ኣብ ስምምዕ በፂሖም፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ጀነራል ሉኤ ዠን ሊናን ኣብ ምርድዳእ ዝበፅሑሎም ጉዳያት ናብ ተግባር ንምስግጋር ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment