ኢትዮጵያን ቻይናን ካልኣይ ዙር መድረኽ ዘተ ፖለቲካ ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ቻይናን ካልኣይ ዙር መድረኽ ዘተ ፖለቲካ ኣካይደን።

ኣብቲ መድረኽ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ሓጋዚ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዴንግ ሊ ተዛቲዮም።

ኣብ ክልቲኣዊ፣ ቀጣናዊን ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን ዘድሃበ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እተን ሃገራት፥ ኩለ መዳይ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባረን ንምጥንኻር ቃል ከምዝተኣተወ እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣምባሳደር ሬድዋን፥ ቻይና ኣብ ወፍሪ ፀረ ኮቪድ ንኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ድጋፍ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ንኢዶም።

ብተወሳኺ ምስ ኩባኒያታት ቻይና ብምኻን ክታበት ፀረ ኮቪድ ናብ ኢትዮጵያ ነምእታው ባህጊ ከምዘሎ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment