ኢትዮጵያን ቻይናን  ብኢኮኖሚን ካልኦት ዓውዲታትን ብዝበለፀ ንምትሕብባር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ተዛቲዮም።

ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 77 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣይተ ደመቀ መኮነንን ዋንግ ዪን ኣብ ኢኮኖሚን ካልኦት ዓለም ለኻዊ ርክባትን ዘለዎም ክልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽአል ዘተ ኣካይዶም።

ኣብ ዘተኦም፥ ኣይተ ደመቀ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።

ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንሰላምን ልምዓትን እትገብሮ ኣስተዋፅኦ ብምንኣድ ኣብ ፈታኒ እዋን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ መስላፋ እውን ኣዘኻኺሮም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ልምዓት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ገሊፆም።

ዋንግ ዪ ብግደኦም፥ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝምልከት ፍሉይ ጠመተ ከምእትገብረሉ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንክህሉ ቻይና ግድኣ ከትዋፃእ ኢያ እውን ኢሎም።

ብስም ሰብኣዊ መሰል ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ቻይና ብፅኑዕ ከምተውግዝ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment