ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽአል ስምምዕነት ከቲመን።
እቲ ስምምዕነት፥ ኣብ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኮሚሽን ሚኒስቴራት ኢትዮጵያ ታንዛኒያ ከምዝተፈፀመ ተሓቢሩ።
ሰላምን ፀፅታን፣ ኢኮኖሚ፣ ቱሪዝም፣ ግብርና፣ ኢንቨስትመንትን ካልኦት ዓውዲታትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ እተን ሃገራት ብምውዳድ ምስረሐን ኣልሸባብ ሓዊሱ ካልኦት ግብረ ራዕዲታት ንምክልኻል ኢሉውን ኣብ ኣፍሪካ ሰላን ንምንጋስ ዘኽአል ኩነታት ይፈጥር ኢዩ ኢሎም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምትሕብባር ምብራቕ ኣፍሪካን ታኒዛኒያ ኣምባሳደር መሓሙድ ተሀቢት ኮምባ ብግደኦም፥ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ክልከላ ቪዛ ምልዓል ይግባእ ኢሎም።
ብፍቅርተ ከበደ