ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕ ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕ፥ ሓላፊ ዋና መምርሒ ምትሕብባር ሜካናይዝድ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ሌተናንት ጄኔራል ኣለምእሸት ደግፌን ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ታኒዛኒያ ሌተናንት ጀኔራል ማስዪ ሚክንጉሌን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኢትዮጵያን ታንዛኒያን ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ዘለወን ምትሕብባር ከብ ዘበል ከምዝኾነ እውን ሌተናንት ጄኔራል ኣለምእሸት ደግፌ ገሊፆም።

ሌተናንት ጀኔራል ማስዪ ሚክንጉሌ ብግደኦም፥ እቲ ዝተገበረ ክልቲኣዊ ስምምዕ ነተን ሃገራት ይኹን ቀጠና ሰላምን ድሕንነትን ዘጎልብል ምዃኑ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment