ኢትዮጵያን ቱርኪን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትእስሳር ተረባሕነት ኢኮኖሚአን ከረጋግፃ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ቱርኪን ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ጥዕና፣ ኢንቨስትመንት፣ ባህሊን ስግግር ቴክኖሎጂን ብምትእስሳር ተረባሕነት ኢኮኖሚአን ከረጋግፃ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያ ርክባት ወፃኢ ዲማ ነገዎ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ ባራን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ጥዕና፣ ኢንቨስትመንት፣ ባህሊን ስግግር ቴክኖሎጂን ብምትእስሳር ተረባሕነት ኢኮኖሚአን ከረጋግፃ ከምዝግባእ ዲማ ነገዎ (ዶ/ር) ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕበባርን ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዝተመስረተ ርክብ ብምፍጣር ከባቢያዊ ሰላም ንኽረጋገፅ ጠንኪራ እናሰርሐት ከምዝኾነት ኣብሪሆም፡፡

ንነዊሕ ዓመታት ዝቐፀለ ርክብ ኢትዮጵያን ቱርኪን÷ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ክልቲኦም ህዝቢታት መሰረት ዝገበረ ምሕዝነት ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ ባራን ብግደኦም÷ ሰብ ሃፍቲን ሙሁራንን ቱርኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ፣ ጥዕናን ኢንቨስትመንትን ብስፍሓት እናሰርሑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ርክብ ብዝሐሸ ኩነታት ንምጥንኻር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ፓርላማን ከምዝስርሑ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment