ኢትዮጵያን ቱርኪን ንግዳዊ ርክብን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ ምስ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ በርክ ባራን ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ብረመስቀል÷ ፍርያት ሕርሻ ናብ ቱርኪ ብምልኣኽን ናይ ውልቀ ሴክተር ርክብ ብምጥንኻር ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ክፍተት ንግዲ ሚዛን ምፅባብ ከምዘድሊ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ሴክተራ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ክፍቲ እናገበረት ብምዃና÷ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ቱርኪ ኣብ ንግዲን ኢኮኖሚን፣ ቴክኖሎጂን ህንፀት ዓቕሚን ዘለዋ ልምዲ ንኽተካፍል ዝሓተቱ እቶም ሚኒስትር÷ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንዝገብሩዎ ተሳትፎ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝግበር ፀሪሖም፡፡

ኣምባሳደር በርክ ባራን ብግደኦም÷ ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘበናት ዝተሳገረ ንግዲን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ከምዘለወን ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ዕዳጋ ቱርኪ ቡን፣ ውፅኢታት ቆርበትን ካልኦት ፍርያታት ወፃኢ ንግዲን ኢትዮጵያ ድሌት ከምዘለዋ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment