ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ብራዚልን ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ልኡልሰገድ ታደሰ መስ ሚኒስትር ማሕበራዊ ዕብየት፣ ደገፍ ስድራን ንከያ ድኽነትን ብራዚል ዌሊንግተን ዲያስ ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ከልቲአን ሃገራት ብግብርናን ውሕስነት ምግብን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም።
ኣምባሳደር ልኡልሰገድ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ምምዕባል ግብርና፣ ምርግጋፅ ልኡላዊነት ምግብን ውሕስነት ምግብን ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ኣብ ፕሮግራም ምገባ ተምሃሮ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ከምዘለዉት ገሊፆም።
ዌሊንግተን ዲያስ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርና ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ትምህርቲ ከምዝውሰደሎም ሓቢሮም።