ኢትዮጵያን ብሩንዲን ክልተኣዊ ርክበን ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያን ብሩንዲን ክልተኣዊ ርክበን ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ብሩንዲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ገይረን፡፡

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒተን፥ ምስ ፕሬዚዳንት ብሩንዲ ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ክልተኣዊ ርክብ ኢትጵያን ብሩንዲን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂበን ተዛቲየን፡፡

ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዘውፅኡዎ ናይ ሓባር መግለፂ ድማ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም፡፡

ፕሬዚዳንት ብሩንዲ ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብፍላይ ኣብ ሶማሊያ እናሰርሐቶ ትርከብ ኡኽቶ ምኽባር ሰላም ናእደኦም ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብግደአን፥ ኣብ ብሩንዲ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ዴሞክራሲን ንምጥንኻር እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕን ብሩንዲ ኣብ ሶማሊያን ማእኸላይ ኣፍሪካን ኣብ ከይዲ ሰላም ምኽባር ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንኢደን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment