ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሶማሌላንድን ኣብ ዓውዲ ንግዲን ትራንዚትን ዝረኣዩ ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ ተስማዕሚዐን።
ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስን ኣማኻሪ ብሄራዊድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴንን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ትማሊ ናብ ሶማሌ ላንድ ሃርጌሳ ኣቕኒዑ።
እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝነበሮም ፃኒሒት ምስ ፕሬዚዳንት ሙሳ ኣበ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም፥ ኢትዮጵያን ሶማሌላንድን ኣብ ዓውዲ ንግዲን ትራንዚትን ዝረኣዩ ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ ተስማዕሚዖም።
እቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ንምግባር ናይ ሓባር ኮሚቴ ከምዝተጣየሸ ኣምባሳደር ሬዲዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዊዎ መልእኽቲ ገሊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።