ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ቱሪዝም፣ ንግዲን ትራንስፖርትን ዘለወን ርክብ የጠናኽር ዝበለኦ ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ምስ ትራንስፖርትን ሲቪል ኣቪዬሽንን ሶማሊያ ኣብ ቱሪዝም፣ ንግዲን ትራንስፖርትን ዘለወን ርክብ የጠናኽር ዝበለኦ ስምምዕነት ተፈራሪመን።

ኣብቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዳግማዊት ሞገስ ሓዊሱ ዳይሬክተር ጀነራል በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ጌታቸው መንግስቴ፣ ሚኒስርት ትራንስፖርትን ሲቢል ኣቪየሽንን ሶማሊያ ፊርዶዋስ ኦስማን ኤጋል ተረኺቦም፡፡

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዳግማዊት ሞገስ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ከምዝበለኦ÷ እቲ ስምምዕነት ክልቲአን መሓዙት ሃገራት ኣብ ዘፈር ኣቪየሽን ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ዝሕግዝ ኢዩ፡፡

እቲ ስምምዕነት ክልቲአን ሃገራት ብምትሕብባርን ብሓባርን ሽቶ 2063 ንኸዕውታ ርኡይ ግደ ኣለዎ ዝበላ እተን ሚኒሰትር÷ መንግስቲ እቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ ገሊፀን።

ሚኒስርት ትራንስፖርትን ሲቢል ኣቪየሽንን ሶማሊያ ፊርዶዋስ ኦስማን ኤጋል ብግደአን÷ እቲ ስምምዕነት ክብ ክልቲአን ሃገራት ብምጥንኻር ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ካብ ኢትዮጵያ ልምዲ ንምውሳድ ከምዝሕግዝ ተዛሪበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment