ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ምንጋስ ምርግጋዕ እዚ ቀጣና ብሓባር ንምስራሕ ዘለወን ቁርፀኝነተን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይኛ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣሳሊጡ።

እቲ ጉጅለ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓመድ ውፅኢታዊ ዘተ ዝገበረ እንትኸውን፥ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ነቶም ፕሬዚዳንት ዝተልኣኸ መልእኽቲ ኣብፂሑ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንምንጋስ ብሓባር ንምስራሕ ዘለወን ቁርፀኝነት ኣረጋጊፀን።

ኢትዮጵያን ሶማሊያን ልኡኽ ደገፍ ሕብረት ኣፍሪካ (AUSSOM) ውፅኢታዊ ንክኸውን ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ልውውጣት ዑደት ንምጥንኻርን ኣብ ቀረባ እዋን ላዕለዎት ልኡኽ ሶማሊያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ብምግባር ዘተ ንምግባርን ተስማዕሚዖም።

ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ሶማሊያ ዓብድርቋድር ኑር ጃማ፥ ናይ ኢትዮጵያ ምክልኻል ሃገር ሰላም ሶማሊያ ንምርግጋፅ ንዝኸፈሎ መስዋእትነትን ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦን ዘለዎም ክብሪን ምስጋናን ገሊፆም።

ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፥ ኢትዮጵያ ንንሰላምን ምርግጋዕን ሶማሊያ ግደኣ ንምብርካት ዘለዋ ቁርፀኝነት ገሊፀን።

 

Comments (0)
Add Comment