ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ዝተፈራረመኦ ስምምዕነት መምርሒ ሂብካ ምቕባል ዘኽበረን ምትሕብባር ዘጠናኽርን ኢዩ – ኣምባሳደር ዲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ዝተፈራረመኦ ሰነድ ስምምዕነት መምርሒ ሂብካ ምቕባል ዘኽበረን ምትሕብባር እቲ ዞባ ዘጠናኽርን ከምዝኾነ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ተካይዶ ፃዕሪ ንምትዕንቓፍ ዝግበሩ ፈተነታት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ከም ምትዕንቓፍ ከምዝቑፀር እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ስምምዕነት ምትሕብባር ህዝቢታት ብሓባር ምዕባይ ዘጠናህርን ንዝኾነ ይኹን ዘይጎድእ ተሞክሮ ዝውሰደሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ብዙሕ ህዝቢን ብቕልጡፍ እናዓበየ ዝርከብ ኢኮኖሚን ትውንን ሃገር ምዃናን ብፍላይ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለኣ ምስ ኣታዊን ወፃኢን ንግዲ ዝተኣሳሰር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ድማ ጉዳይ ወደብ ጉዳይ ህልውና ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ብግልፂ ዘመላኽት ኢዩ ኢሎም፡፡

ብምዃኑ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዝኾነ ይኹን ሰላማዊ ፃዕሪ ብፅቡቕ ክውሰድን ዝኾነ ኣካል ክድግፎ ዝግባእን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈራረመኦ ሰነድ ስምምዕነት ናይ ክልተኦም ወገናት ምትሕብባር ፖለቲካ፣ ዲፕሎማሲ፣ ፀፅታን ኢኮኖሚን ምትሕብባር ዘጠናኽር ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment