ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብን ኣብ ሪያድ ፖለቲካዊ ዘተ ኣካይደን፡፡
እቲ ፖለቲካዊ ዘተ ሚኒስተር ደኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳር ምሳጋን ኣርጋን ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ዋሊድ ኣብዱልከሪም (ኢ/ር)ን ኣካይዶምዎ፡፡
ክልቲኦም ወገናት፤ ኣብ ክልተኣዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ጠሚቶም ምትሕብባሮም ንምጥንኻር ከምኡ እውን ሓበራዊ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ከምዝሰርሑ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም፡፡
ክልቲአን ሃገራት ብብርኪ ትልሚ ዝተትሓዙ ስምምዕነታት ናብ ተግባር ንምልዋጥ ከምዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም፡፡