ኢትዮጵያን ስዊዘርላንድን ዘለወን ክልቲኣዊ ርክብ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ስዊዘርላንድን ዘለወን ክልቲኣዊ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ክልቲአን ሃገራት ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ይገብሩ ምስ ዘለዉ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ስዊዘርላንድ ኢግናዚዮ ካሲስ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ ከልቲኣዊ ረኽቢ እተን ሃገራት፣ ዓለም ለኻዊን ቀጣናዊን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ሚኒስትራት ድሕሪ ዘተ ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለፂ፥ ኢትዮጵያን ስዊዘርላንድን ዘለወን ክልቲኣዊ ርክብ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፥ ብዙሓት ኩባኒያታት ስዊዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኢንቨስትመንት ምውፋሮም ሓቢሮም።

እዚ ምትሕብባር በዝበለፀ ንምጥንኻር ዘኽአል ምርድዳእ ኣብቲ ዘተ ከምዝተፈጠረ እውን ኣፍሊጦም።

ቅድመ ሐዚ ኣብ መንጎ ከልቲአን ሃገራት ዝተገበሩ ስምምዕነታት ተግባራዊ ንምግባር ከምዝተረዳድኡ አወን ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ሽግግር ፍትሒን ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተን ኣፅንኦት ብምሃብ ምልዛቦም ተሓቢሩ።

ኢግናዚዮ ካሲስ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንልምዓት፣ ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ ወሳኒ ግደ ዘለዋ ሃገር ኢያ ኢሎም።

ስዊዘርላንድ ምስ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን በምትሕብባር ትሰርሕ ኣላ ክብሉ ገሊፆም ክብል ግዚኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment