ኢትዮጵያን ስሎቬኒያ ደቂ ኣንስትዮ ምንቃሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ገፀር ከባቢ ኢትዮጵያ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ንምንቃሕ ምስ ስሎቬኒያ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ፡፡

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስሎቫኒያ ታኒያ ፋየን ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ብምብቃዕ ምዕባለ ስድራ ቤት ምርግጋፅ ኣብ ዝከኣሉሎም ጉዳያት ኣድሂበን ተመያይጠን፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ገፀር ከባቢታ ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕመዓ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ዓውዲታት ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕ ዘለዎ ቆራፅነት ኣብሪሀን፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ስሎቬኒያ ብሓባር ንምስራሕ ጥንኩር ድሌት ከምዘለዋ እውን ኣረጋጊፀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment