ኢትዮጵያን ሲንጋፖርን ኢኮኖሚያዊ ርክበን ንምጥንኻር ተስዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሲንጋፖርን ኣብ ፋይናንስን ኢኮኖሚን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፃት ከምዝኾና ኣረጋጊፀን፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ሚኒስትር ቤት ፅሕፈት፣ ብሄራዊ ልምዓት ሪፐብሊክን ሚኒስትር ገንዘብን ኢንድራኒ ራጃህ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ምቹዋት ኩነታትን መብርሂ ዝሃቡ ኣይተ ኣሕመድ÷ ኩባንያታት ሲንጋፖር ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንኽገብሩን ኢንቨስት ንኽገብሩን ዓዲሞም፡፡

ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ክልቲኦም ወገናት ናይተን ሃገራት ምትእስሳር ፋይናንስን ኢኮኖሚን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምስግጋር ከምዝሰርሑ ተስማዕሚዖም፡፡

እተን ሚኒስትር ብግደአን÷ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሲንጋፖር ንዝገበሮ ዑደት ናእደአን ብምግላፅ፤ ፋይናንሳዊን ኢኮኖሚያዊን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ ኣረጋጊፀን፡፡

ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚን ፋይናንስን ፍልጠትን ልምዲን ንምልውዋጥ ቃል ዝኣተዋ እንትኾና÷ ኢኮኖሚያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ካብ ክልተኣዊ ምሕዝነት ብተወሳኺ በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር እውን ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚበን፡፡

Comments (0)
Add Comment