ኢትዮጵያን ሲንጋፖርን ትራንስፖርት ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያን ሲንጋፖርን ትራንስፖርት ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ከልቲኣዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምኽታሞም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቤተ መንግስቲ  ሪፐብሊክ ኢስታና ሲንጋፖር ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸብሉ ክልቲኣዊ ዘተ ዘምልከት ሰነድ ስምምዕነት ተገይሩ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ፌዴሪኢን ሚኒስቴር ትራንስፖርት ሲንጋፖርን ስምምዕነት ድልየት ምኽታሙ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment