ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ዶብ ናይ ሓባር መፍትሒ ንምምፃእ ዝተፈራረማሉ ስምምዕነት ብወገን ሱዳን ተጣሒሱ – ኮሚሽን ዶብ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ታህሳስ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያን ሱዳንን አብ ጉዳይ ዶብ ናይ ሓባር መፍትሒ ንምምፃእ ዝተፈራረማሉ ስምምዕነት ብወገን ሱዳን ተጣሒሱ ክብሉ ኣባላት   ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ ሱዳን ገሊፆም።

ብወገን ኢትዮጵያ ዝተወከሉ ኣባላት እቲ ኮሚሽን ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቦም።

ኣባል እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ኢብራሂም እንድሪስ፥ ክልቲአነ ሃገራት ከም ኣቆፀፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1972 ዓ/ም ኣብ ጉዳይ ዶብ ንይ ሓባር መፍትሒ ንምምፃእ ዝሐተምኡ ውዕል ሱዳን ከምዝጠሓሶ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት እተን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ዶብ መፍትሒ ክሳብ ዘምፅኣ ኣብ መርት ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ንክቕፅል እቲ ስምምዕነት ከምዘገድድ ድማተዛሪቦም።

እኹን እንበር ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሳ ብምእታው ዝሓዘቶ መሬት ነቲ ስምምዕነት ዝጠሓሰ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ጥሕሰት ኣብ ልዕሊ ፍሪያት ሕርሻ ጉድኣት ብምብፃሕ ዝጋታት ንክፈናቐሉ ገምዝገበረ እውን ሓቢሮም።

ስለዚኾነ ክልቲአን ሃገራት ዓለም ለኻዊ ሕጊን ስምምዕነት ዶብን ብምኽባር  ብሰለማዊ መገዲ ብዘተ ክፈትሕዎ ይግባእ ኢሎም።

ሱዳን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ደብ ኢትዮጵያ ጥ/ኢሳ ብምእታው ዝኣዘቶ መሬት ብሕጊ ዘሕትታ ስለዝኾነ ብህፁፅ ለቒቓ ናብ ንቡር ኩነታታ ብምምላስ ኣብ 1972 ዝተበፅሐ ስምምዕነት ንክተኽብር እውን ሓቲተም።

 

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment