ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ርዋንዳ ግብረ ራዕዲ ሓዊሱ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ካልኦት ዶብ ዘለል ገበናትን ሓበሬታ ብምልውዋጥ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዐን፡፡
እቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤልን ኢንስፔክተር ጀነራል ብሄራዊ ፖሊስ ርዋንዳ ፌሊክስ ናሙሆራንዬን ኢዮም፡፡
ኣብ ትካላት ፖሊስ እተን ሃገራት ዘለዉ ዓቕሚታት ቴክኖሎጂን ካልኦት ዓቕሚታትን ኣብ ምጥቃም ብፍላይ ኣብ ፖሊስ ዩኒቨርሲቲ ኢትዮጵያን ኣጀካዳሚ ብሄራዊ ፖሊስ ርዋንዳን መናእሰይ ኦፊሰራት ፖሊስ ንምስልጣን ኢሉ እውን ልምዲ ንምልውዋጥ ከምዝተስማዕምዑ ኮሚሽነር ጀኔራል ደመላሽ ገሊፆም፡፡
መድረኽ ምትሕብባር ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓባር ንምጥንኻር ከምኡ እውን ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሓሊፉ ከም ኣፍሪፖል ዝበሉ ትካላት ኣብ ምጥንኻር ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተማያየጡ ምግላፆም ሓሬታ ፖሊስ ፌደራል የመላኽት፡፡