ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ጊኒን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕቲ ምትሕብባር ንምጅማር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ጊኒን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕቲ ምትሕብባር ንምጅማር ተስማዕሚዐን።

እቲ ስምምዕነት፥ ኣብ ሪፐብሊክ ጊኒ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዘካየዱ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕዚዳንት እታ ሃገር ኣልፋ ኮንዲ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ሪፐብሊክ ጊኒ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ብግባር ትማሊ ምሸት ዛዚሞም።

ብመሰረት እዚ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕዚዳንት ኣልፋ ኮንዴ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣ መዓድንን ኢነርጂን ስራሕቲ ምትሕብባር ንምጅማር ዘኽእሉ ስምምዓት ምፍፃሞም ተገሊፁ።

ዶክተር ኣቢይ ኣብ ሪፐብሊክ ጊኒ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ምስ ግዝኣት ናይጄርያ ዝኾነት ካዱና ሃገረ ገዝ ኤል ሩፋይን ምስ ውሩይ ናይጄርያዊ ነጋዳይ ቶኒ ኦሉሜሉን እውን ተዛትዮም።

እብ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናማዕበሉ ዝርከቡ ብዙሓት ኣማራፂታት ዓውዲ ኢንቨስትመንት ኣድሂቦም ምምይያጦም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment