ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ኣብ ወተሃደራዊ ዓውዲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን።
ኣብቲ ስምምዕነት ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሩዋንዳ ጄነራል ሙባረክ ሙጋጋ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
ዋና ዳይሬክተር ርክብ ወፃኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሰራዊት ምክልኻል ሜ/ጄ ተሾመ ገመቹ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ጉዳያት ንብዙሓ ዓመታት ክሰርሓ ከምዝፀንሓ ኣዘኻኺሮም።
ሐዚ ድማ ዝነበረ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ምስምዕመዐን ገሊፆም።