ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ኣብ ምጉልባት ዓቕሚ ደቂ ኣኒስቲዮ ብምትሕብባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ፌዴሪኢ ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ሩባንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ቻርለስ ካራምባ ዘቲየን።

ኣብቲ ዘተ፥ ከልቲአን ሃገራት ዝበለፁ ተመክሮታት ብምልውዋጥ ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት በምትሕብባር መስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም።

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)÷ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ዝምድና ክብ ብምባል ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት ንምዕዋት ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪበነ።

ሩዋንዳ ኣብ ማዕርነት ደቂ ኣኒስቲዮ ዓቕሚ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ምዕባይ ዝሰርሓቶ ስራሕ ዝነኣድ ከመዝኾነ አወን ገሊፀን።

እቶም ተመክሮታት ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢረን።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ኣብ ምጉልባት ዓቕሚ ደቂ ኣኒስቲዮ ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment