ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳልሳይ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ሩዋንዳ ምዝዛሙ ኣመልኪቱ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓሙሽተ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩዋንዳ ቪንስት ቢሩታ ፈሪሞምዎ።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ንግዲ፣ ሓደጋ ኣብ ምንካይን ምምሕዳርን፣ ስፖርት፣ ፖለቲካን ኢንቨስትመንትን ብሓባር ምስራሕ ከምዝኸነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እተን ሃገራት ምትሕብባረን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሰርሓ እውን ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment