ኢትዮጵያን ሩስያን ብዓውዲ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያን ሩስያን ብዓውዲ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝተስማዕማዓ ተገሊፁ።

ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭን ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ድሕሪ እቲ ዘተ ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂም ድማ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ኢትዮጵያን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብን ካልኦት ዓለም ለኸ ጉዳያትን ዳህሲሶም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዑደት እናገበሩ ዝርከቡ ሰርጌ ላቭሮቭ፥ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይፍለጥ።
ላቭሮቭ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንትኣትዉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣቀባብላ ገይሮምሎም ኢዮም፡፡
ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ “ምስ ፌዴሬሽን ሩሲያ ዘለና ዘለና ታሪኊ ርክብ በቢእዋኑ እናደንፋዕና ከምዝመፃእና፣ ኣብዚ ዑደት እውን ብዝተፈላለዩ መድረኻት ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ተሓጋጊዝና ምስራሕ ክንቅፅል ይግባእ” ኢሎም።
ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበራዊ መግለፂ ኣይተ ደመቀ መኮንን ከምዝሓበሩዎ፥ ኣብ ዘተኦም ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዘለወን ርክብ ኣጠናኺረን ንምቕፃል ከምዝተስማዕምዑ ኣብሪሆም።
ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት፥ ኢትዮጵያ ኣብ መምርሒ ዝተመስረተ ውፅኢታዊ ኮይኑ ንኽቕፅል ዘለዋ ቅዋም ኣይተ ደመቀ ነቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃ ሩሲያ ገሊፆምሎም።
ሩሲያ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ መምርሒን ሓቂን ብምኽታል ነኢትዮጵያ ዝገበረቶ ሓገዝ ኣመስጊኖም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃ ሰርጌ ላቭሮቭ ብግደኦም፥ “ኢትዮጵያ ምስ ሩስያ ብዘለዋ ውፅኢታዊ ርክብ ሕጉሳት ኢና” ኢሎም።
ሓበራዊ ኮሚሽን ክልቲአን ሃገራት ኣኼባ ንኽካየድ ድሌታ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment