ኢትዮጵያን ሩሲያን ክልተኣዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ኢትዮጵያን ሩሲያን ክልተኣዊ ርክበን ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ተስማዕሚዐን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝፀንሐ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ክልቲአን ሃገራት ተዛዚሙ።

ኣብ መዕፀዊ እቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ፥ እቲ ሓበራዊ ኣኼባ ብመንፈስ ምሕዝነት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ብዘኽእል መገዲ ውፅኢታዊ ኮይኑ ከምዝተሳለጠ ኣብሪሆም።

እቲ ኣኼባ በዓል ብዙሕ ዘፈር ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሎም ፅቡቓት ኣጋጣሚታት ንምርኣይ፤ ከምኡ እውን ዝተበፅሑ ስምምዓትን ዝተኣተዉ ቃላትን ዝርከቡሉ ብርኪ ኣፈፃፀማ ምርኣይ ከምዝተኸኣለ ኣመልኪቶም።

መራሒ ልኡኽ ፌዴሬሽን ሩሲያ ኢቬግኒ ፔትሮቭ ብግደኦም÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት 300 ዓማውቲ ዝተሳገረ ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ርክብ ምክብባርን ሓበራዊ ተረባሕነትን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ንሰለስተ መዓልቲ ዝተኻየደ ሓበራዊ ኣኼባ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ሩሲያ÷ ዓውዲታት መዓድን፣ ሓይሊ፣ ንግዲ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ቱሪዝምን ምትሕብባር ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ትኹረት ብምግባር ከምዝዘተየ ተገሊፁ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment