ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን 500 ሜጋ ዋት ሓይሊ ፀሓይ ብሓባር ንምህናፅ ስምምዕነት ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያን ኩባኒያ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ ዝኾነ ማስዳርን 500 ሜጋ ዋት ክልተ ጣቢያ ሶላር (ሓይሊ ፀሓይ ብርሃን) ብሓባር ንምልማዕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ተፈራሪመን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ መሃመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህንያን ኣብ ቤተ መንግስቲ ቃስር ኣል ሻቲ ተራኺቦም ተዛቲዮም።

በዚ ድማ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምፍልፋል ዝኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ምትእአስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ኢትዮጵያ ሰፊሕ ሃፍቲ ዝሕደስ ሓይሊ ኣለዋ” ክብሉ ገሊፆም።

“ብብርኪ ዓለም ምልቃቕ ካርበን ባዶ ንምግባር ዒላማ ብምግባር ዝሕደስ ሓይሊ ንምጥቃምን ዘተኣማምን፣ ንፁህን ተመጣጣኒን ዋጋ ዘለዎ ሓይሊ ንኢትዮጵያን ንካልኦትን ተበፃሒ ንምግባር ዓብዪ ዓቕሚን ዕድል ኢዩ” እውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment