ኢትዮጵያን ሕቡራት ኤሚረታት ዓረብን ኣብ ጉዳይ ገበን ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒቴር ፍትሒ ፌዴሪኢን ሚኒስቴር ፍትሒ ሕቡራት ኤሚረታት ዓረብን ኣብ ጉዳይ ገበን ብሓባር ንምስራሕን ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ንመሃብን ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት÷ ሚኒስትር ዲኤታ ፍትሒ ኣይተ ኣለምኣንተ ኣግደውን ሚነሲትር ምክልኻል ፍትሒ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ሼኽ ኣብዱላ ሱልጣን ኣል ኑዓይሚን ኣብ ኣቡዳቢ ፈሪሞምዎ፡፡

ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈረሙ ስምምዓት÷ ኣብ ዘፈር ፍትሒ ዘለወን ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ከምዘብሎ ኣብቲ እዋን ምንባር ክታም ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ተመሳሳሊ ስምምዓት ብምፍርራም ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ርክብ ብዝበለፀ ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሉ ልዝብ ከምዝተገበረ እውን ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment