ኢትዮጵያን ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ሰነድ ስምምዕነት ናይ ሓባር ዕዳጋ ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሃገራት ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ሰነድ ስምምዕነት ናይ ሓባር ዕዳጋ  ከቲመን።

እቲ ናይ ሓባር ከባቢ ንምልማዕ ዘውዕል ስምምዕነት 6 ነጥብ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝበፅሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ንምምሕያሽ ምምሕዳር ዶብ፣ ንግዲን ትራንስፖርቲን ሞያሌን ጋላፊን ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ንክተመሓይሽ፣ ኣብ መንጎ ኤጀንሲታት ዘሎ ርክብ ንምውሳኽ፣ ኣብ ሞያሌን ጋላፊን ዘሎ ርክብ ጨንፈራት ጉምሩክ ክብ ንምባል ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ነቲ ፕሮጀክት ንምዕዋት ሕብረት ኣውሮፓ ደገፍ ክምዝገብር ኮሚዩኒቲ ቢዝነስ ኣፍሪካ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment