ኢትዮጵያን ሃንጋሪን ርክብ ንግደን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሃንጋሪን ርክብ ንግደን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ንግዲን ሃንጋሪ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝፀንሐ ርክብ ንግዲ ኢትዮጵያን ሃንጋሪን ንምጥንኻር ምስምዕምዖም ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለዋ ሰፊሕ ዓቕሚ ብምጥቃም ናብ ሃንጋሪ ሰደድ እትገብሮ ፍሪያታት ብዓይነትን መጠንን ብምውሳኽን ከልቲኣዊ ርክብ ንግዲ ንምቅልጣፍን ዘኽእሉ ኩነታት ብምጥዕዓም ርክብ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ኣይተ ገብረመስቀል ተዛሪቦም።

ነቲ ልኡኽ ሃንጋሪ ዝመርሑ ፒተር ስያርቶ ብግደኦም፥ ሃገሮም ፍሪያታት ግብርና ካብ ኢትዮጵያ ብምቕባል ርክብ ንግዲ እተን ሃገራት ንምምሕያሽ ከምዝስራሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment