ኢትየጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብዓውዲ ሳይንስ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትየጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብዓውዲ ሳይንስ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሎም ዝርዝር ተግባራት ተስማዕሚዖም።

እቲ ስምምዕነት ክልቲአን ሃገራት ብባዮ ቴክኖሎጂ፣ ህዋ ሳይንስን ዲጂታል ኢኮኖሚን ንምስራሕ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ክሳብ 2025 ኣብ ዝፀንሕ እቲ ምትሕብባር ስልጠና ሓይሊ ሰብ፣ ልውውጥ በዓል ሙያ፣ ብኢኖቬሽን ሰታርትኣፕን ካልኦት ዓውዲታትን ብሓባር ንምስራሕ ከምዘኽእል ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተጣየሸ ቴክኒክ ኮሚቴ ክልቲአን ሃገራት ዘሰናድኦ ዝርዝር ተግባራት ምትሕብባር ስምምዕነት ብወገን ኢትዮጵያ  ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ባይሳ በዳዳን ብወገን ደቢብ ኣፍሪካ ድማ ተወካሊ ሳይንስን ኢኖቬሽን ዲፓርትመንት ዳን ዱ ቶይት ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment