ኢሬቻ ኣርማ ሓንድነት ምዃኑ ብዝገልፅ መልክዑ ተኸቢሩ ተዛዚሙ – ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢሬቻ ኣርማ ሓንድነት፣ ዕርቂ፣ ሕውነትን ሰላምን ምዃኑ ብዝገልፅ መልክዑ ተኸቢሩ ከምዝተዛዘመ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ ገሊፆም።

ኣይተ ፍቓዱ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ በዓል ኢሬቻ ሕድነትን ሕውነትን ዝተርኣየሉ በዓል ኮይኑ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡

እቲ በዓል ፀላኢ ከምዝሓሰቦ ዘይኮነስ ባህሊን ክብሪን ኦሮሞ ብዝሓለወ መልክዑ ከምዝተኸበረ ተዛሪቦም፡፡

እቲ በዓል ብሰላም ተኸቢሩ ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ፤ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታት፣ ቄሮታት፣ ቄሬታት፣ ውዳበ መናእሰይ፣ ህዝቢ ኦሮሞን ኣካላት ፀፅታን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ብኣያና ደሬሳ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment