ኢሬቻ መተኣሳሰሪ ገመድ ማሕበራዊ መስተጋብር ኢዩ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢሬቻ ንህዝቢ ኦሮሞ ባህሉ፣ ትውፊቱን ክብሩን ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ንበዓል ኢሬቻ 2017 ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ኢሬቻ መተኣሳሰሪ ገመድ ማሕበራዊ መስተጋብር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ንዝተገበረሉ ሰናይ ነገር ፈጣሪኢ ዘመስግነሉን ዕርቂ ዘውርደሉን፣ ዝተፃአ ዝዕረቐሉ ዝተኸበረ በዓል ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ህዝቢ ኦሮሞ ንዘበናት ሓሊዩን ተኸናኺኑን ዘፅነሖ በዓል ኢሬቻ፤ ህዝቡ ዝፍለጠሉ መፍለዪ ክብሩ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ናብ ዝቐደመ ክብሪታትና ብምምላስ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ስብራታትና ንምፅጋን ብልዑል ኩነታት እናሰራሕና ንርከብ” ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ በዚ ድማ ብዙሓት ዓወታት ኣመዝጊብና ኢና ኢሎም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment