ኢራን ኣብ ጉጅለ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣየር ፈፂማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራን ኣብ ግዝኣት ፓኪስታን ዝርከቡ ጉጅለ ዕጡቓት ዝዓለመ መጥቃዕቲ ኣየር ምፍፃማ ተገሊፁ፡፡

እቲ መጥቃዕቲ ብኲናት እስራኤልን ሃማስን እናተሓመሰ ዝርከብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ናብ ዝ ዝበኣሰ ወጥሪ ከምዝኣተወ ዘርኢ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፓኪስታን እቲ መጥቃዕቲ “ዘይሕጋዊ” ክብል ዝገለፆ እንትኸውን÷ በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ህፃናት ከምዝሞቱን ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝቖሰሉን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ኢስላማባድ ዝርከብ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቴህራን÷ ክልል ኣየር ፓኪስታን ብምጥሓስ ንዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ኣየር መብርሂ ንኽህብ ፀዊዑ ተባሂሉ፡፡

ፓኪስታን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝርዝር ሓሬታ ኣይትሃብ እምበር፤ ኢራን መጥቃዕቲ ዝፈፀመት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝዋሰነኦ ሓደ ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ዶብ ኣብ ትርከብ ግዝኣት ባሎቺስታን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኢራን ብግደኣ እቲ መጥቃዕቲ ንዝበፅሓ ህይወት 80 ሰባት ዝቐጠፈ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ መልሲ ከምዝኾነን ጦር ሰፈር ጉጅለ ዕጡቓት ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነን ምግላፃ ዘ ጋርዲያን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment