ኢራን ብሄራዊ መዝሙር እታ ሃገር ኣየኽበረን ዝበለቶ ዲፕሎማት ታሊባን መብርሂ ንኽህቡ ፀዊዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ብሄራዊ መዝሙር እታ ሃገር ኣየኽበረን ንዝበለቶ ዲፕሎማት ታሊባን መብርሂ ንኽህብ ከምዝፀወዐት ተሓቢሩ።

ምክትል ሚኒስትር ሃጅን ጉዳያት ሃይማኖትን ታሊባን ኣዚዙርማን መንሱር ንመበርሂ ዝተፀውዑ÷ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝተሰናደአ ጉባኤ ብሄራዊ መዝሙር ኢራን እንትዝመር ካብ መቐመጢኦም ብዘይምትሰኦም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ተግባር እቲ ዲፕሎማት ንብሄራዊ ክብሪ እታ ሃገር ዝነክእ ኢዩ ብዝብል ሰብ መዚ ኢራን ከምዘቖጠዐ ተገሊፁ፡፡

ተወካሊ ታሊባን ኣብ ቴህራን ፋዛል ሞሃመድ ሃቃኒ÷ እቲ ተግባር ናይቲ ውልቀ ሰብ ውልቃዊ ስነ-ምግባር እምበር ቅዋም ታሊባን ከምዘይውክል ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዲፕሎማት ብሄራዊ መዝሙር እንትዝመር ተላዒሉ ክብሪ ብዘይምሃቡ ይቕሬታ ምሕታቶም እውን ኣሙ ቲቪ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment