ኡጋንዳዊ ኣትሌት ኣብ ኬንያ ኣብ ውሽጢ መኪና ህይወቱ ሓሊፉ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኡጋንዳዊ ኣትሌት ቤንጃሚን ኪፕላጋት ኣብ ኬንያ ኣብ ውሽጢ መኪና ህይወቱ ሓሊፉ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ሰለስተ ውድድራት ኦሎምፒክ ብ3 ሺሕ መሰናኽል ንሃገሩ ዝወከለ ኣትሌት ኪፕላጋት÷ ኣብ ክሳዱን ኣፍ ልቡን ብበኪሕ ነገር ተወጊኡ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ኬንያ ኣፍሊጡ፡፡

ወዲ 34 ዓመት ኪፕላጋት ፍሉጣት ኣትሌታት ልምምድ ኣብ ዝገብሩላ ኤልዶሬት ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ኬንያ ኢዩ ህይወቱ ሓሊፉ ተረኺቡ፡፡

ፖሊስ ኬንያ ኩነታት ኣማውታ ኣትሌት ኪፕላጋት ምርመራ ምግባር ከምዝጀመረ ምፍላጡ እውን ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

 

Comments (0)
Add Comment