አኢትዮጵያ ድሕንነት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምሕላው ትገብሮ ፃዕሪ ሩሲያ ከምትድግፎ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)አኢትዮጵያ ድሕንነት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምሕላው ትገብሮ ፃዕሪ መንግስቲ ሩሲያ ከምዝድግፎ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ያቭጋኒ ተርክን ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር፥ መንግሰቶም ድሕንነት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ንምጥንኻር ብዝተፈላለየ መገዲ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፀም፡፡

ድሕንነት እቲ ዞባ ብዘሐሸ ምልክዑ ክጠናኸር ዝኽእል ፖለቲካዊ መፍትሒታት ብምጥንኻር ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ያቭጋኒ፥ ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያን ሩሲያን ንብዙሓት ዓማውቲ ብምትሕብባር እናሰርሓ ምፅነሐን ገሊፆም።

ብፍላይ ኢትዮጵያ ተለዋጢት ኣባል ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣብቲ ጉዳይ ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ ምስረሐን ኣብሪሆም።

ዝኾነት ትኹን ሃገር ናይ ባዕላ ድሕንነት ንምሕላው መጀመርታ ኢኮኖሚያዊ ብቕዓታ ክተዕቢ ኣለዋ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፥ ሃገሮም እዚ ንምጥንኻር ንኢትዮጵያ ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራንና ሶማሊያን እናገበረኦ ዝርከባ ፃዕሪ ጉዳይ ሰለስቲአን ሃገራት ይኹን እምበር፤ ሩሲያ ናይተን ሃገራት ፃዕሪ ከምትድግፍ ኣፍሊጦም።

ምትሕብባር ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያን ሩሲያን ብካልኦት ዓውዲታት ቴክኖሎጂ ንምምዕባል ብሓባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment