አብ ዘፈር ፍትሒ ዝስትውዓሉ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዘኸእሉ ጉዳያት ድሃበ  ምይይጥ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)አብ ዘፈር ፍትሒ እናተርኣዩ ዝርከቡ ፀገማት ንምፍታሕ ኢንስቲትዩት ሕጊን ፍትሒን ፌዴራል ምስ ኣካላት ፍትሒ ፌዴራልን ክልላትን ሃገራዊ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣምባሳደር ደግፌ ቡላ ሓዊሱ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ሲዳማ ኣይተ ማቶ ማሩን ካልኦት ኣካላት ፍትሒን ተረኺቦም፡፡

ፀገም ፈታሕቲ ዝኾኑ መፅናዕቲን ምርምራትን ብምስራሕ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንኽህሉ ምግባርን ምሕጋዝን ትኹረት እቲ ኢንስቲትዩት ከምዝኾ ኣምባሳደር ደግፌ ቡላ ተዛሪቦም፡፡

ፀገም ፍትሒ ሕብረተሰብ ክፈትሑ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ክልላት እውን ኣብቲ መድረኽ ምይይጥ ሓበራዊ ምትሕስሳብ ብምፍጣር ፀገም ፍትሒ ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ክሰርሑ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ክልላት ደቡብ፣ ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ትካላት ዝተሳለጡ ምርምራት ፍትሒን ሕጊን እውን ዘተ ተገይሩሎም፡፡

እቲ መድረኽ ኣብ ሞንጎ ኣካላት ፍትሒ ፌዴራልን ክልላትን ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ኣብቲ ዘፈር እናጋጠሙ ዝርከቡ ፀገማት ንምፍታሕ ክምዝሕግዝ ምሕባሩ ካብ ኢንስቲትዩት ፍትሒን ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment