ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 2016 ክሳብ 2018 ኣብ ዝትግበር ካልኣይ ምዕራፍ ትልሚ ማእኸላይ እዋን ን9 ሚሊየን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ ከምዝተትሓዘ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።
ገምጋም ኣፈፃፅማ ቀዳማይ ምዕራፍ ትልሚ ማእኸላይ እዋን 10 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ተሳሊጡ።
ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ፥ ዓለም ለኸን ሰብ ስራሕ ውሽጢ ዓዲን ተፈጥሮኣዊ ፈተናታትን ኣብ ኣፈፃፅማ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ኣሉታዊ ፅዕንቶ ከምዘሕደሩ ሓቢረን።
ኣብ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢን ዓውዲ ግብርናን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ብመንፅር ዓለም ለኸን ቀጣናዊን እንትግምገም ኣብቲ ትልሚ ምስ ዝተትሓ ሸቶ እንትረአ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዘሎ ገሊፀን።
ዓለም ለኸ ፀገማት ስዒቡ ዘጋጠመ ናህሪ ዋጋ ግዙፍ በድሆ እንተኾነ እወን ብዝተሰርሑ ተኸታተልቲ ስራሕቲ ምቁፅፃር ከምዝተኽኣለ ሓቢረን።
ዓውዲ ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ማይ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ተረባሕነት ዜጋታት ክብ ምባል ከምኡውን ናህሪ ዋጋ ምቁፅፃር ናይ ቀፀልቲ ሰለስተ ዓማውቲ ጠመተታት ከምዝኾኑ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።