ን50 ሺሕ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ናይ ብቕዓት ስልጠና ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝመፅእ ክረምቲ ን50 ሺሕ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ናይ ብቕዓት ስልጠና ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።

እቲ ስልጠና ፀገም ፅሬት ትምህርቲ ንምፍታሕን ብቕዓት መምህራን ንምድንፋዕን ዝዓለመ እንትኸውን÷ ኣብ ዝተመረፃ ዩኒቨርሲፃትን ኮሌጃት ክወሃብ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ መምህራንን ትምህርቲን ሙሉቀን ንጋቱ (ዶ/ር)÷ እቶም መምህራን ኣብ ዘምህሩዎ ዓይነት ትምህርቲን መምሀሪ ሜላታትን ከምዝስልጥኑ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ን42 ሺሕ መምህራን 120 ሰዓት፤ ን8 ሺሕ ኣመራርሓ ትምህርቲ ድማ 60 ሰዓት ስልጠና ከምዝወሃቦም ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ስልጠነኦም እንትዛዝሙ ድማ ፈተና ከምዝወስዱ እቶም ፈፃሚ ስራሕ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ስልጠና÷ ኣብ መምህራንን ኣመራርሓ ትምህርቲን ዘሎ ክፍተት ፍልጠትን ሜላን ምስትምሃር ንምምላእ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ፡፡

ብኣልማዝ መኮንን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment