ን340 ኣካላት ፀፅታ መንበሪ ኣባይቲ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ን340 ኣካላት ፀፅታ መንበሪ ኣባይቲ ኣመሓላሊፈን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ካልኣይ ዙር ልምዓት ኮሪደር ንምትግባር ኣብ ካምፕ ፖላዊስ ዑደት ኣብ ዝገበራሉ እዋን ኣብ ካምፕ ኣባላት ሰራዊት ምስ ስድረኦም ኣብ ዘይጥዕም ኩነታት ዝነብሩ ከምዘለዉ ምግንዛበን ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ንነበርቲ ከምዝገበርናዮ ስድራ ንዘለዎም ኣባላት ፀፅታ መንበሪ ኣባይቲ ኣተሓላሊፍና ኣለና ኢለን።

ፖሊስ ቀዳምነት ንህዝቢ ብምባል ንድሕንነት ሃገር ዋጋ እናኸፈለ ዘገልግል ስለዝኾነ ኣብ ቀፃሊ እውን ንሰራዊት ምቹእ ኩነታት ናብራ ንክህልዎ ምስ ትካላተንን መዳርግቲ ኣጋላትን ከምዝሰርሓ ገሊፀን።

Comments (0)
Add Comment